Dehnet.org

ብጉዳይ

አቶ ኢሰያስ አስፍሃ አባል ፈጻሚት አካል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሐላፊ ስርዒታዊ ጉዳያት ዞባ አውሮፓ ዝምልከት ንኸተንብቡ አብ ስእሊ ብምጥዋቅ ይክአል


webmaster@dehnet.org

 

 
 
 

 

 

ውዕሎ ፈስቲቫል ካስል ንምክትታል አብዚ ምጥዋቅ ይክአል

ፎቶ አልቡም መበል ዕስራን ሐሙሽተን ዓመት ንምክትታል ላዕለዋይ ሊንክ ብምጥዋቅ ክብጻሕ ይክእል

መብርሂ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

02/09/2010

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዕለት 23 ነሓሰ ኣብ ዝዘርገሖ ደምዳሚ መግለጺ ህጹጽ ኣኼባኡ፡ ኣብ ኣዋጅ ሃገራዊ ዋዕላ ዝተኸሰቱ ኮነ ኢልካ ዘይተሓሰቡ ጌጋታት ካብኡ መሰል ርእሰ ውሳኔ ነጥበ ስምምዕ ዋዕላ ዘይምዃኑን፡ ንምፍዋሱ ድማ ኣብ ማሕደራት ሰክረታርያ ዋዕላ ምውካስ ከም ዝካኣልን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

.ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ 01 መስከረም 2010

መግለጺ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ መበል 49 ዓመት ባሕቲ መስከረም ንቕሎ ሰውራ ኤርትራ፡

02/09/2010

ባሕቲ መስከረም ኣብ መበል 49 ዓመቱ፡ ኣብ ከርሱ ተጋድሎን ጽንዓትን ተስፋን እንተላይ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ሓቝፉ ተቐልቂሉ ኣሎ። ህዝብና ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ጅግና ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተን ብጾቱን ንዝተሰከምዎ ሰንደቕ ናጽነት፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ተጋድሎ ጸረ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ስርዓታት ሃይለ ስላሴን ደርግን፡ ኣብ 24 ግንቦት 1991 ሽቶኡ ብምጉንጻፍ፡ ሃገራዊ ናጽነት ኣረጋጊጹ።

.ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ባሕቲ መስከረም 2010

ምድስካል ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ብኣቶ ወ/ኢየሱስ ዓማርን ጭፍርኡን ዝበደሀ ኣኼባ መሰረታት ሰ-ደ-ህ-ኤ ጨ/ንፈር ዓባይ-ብርጣንያ፣፣

01/09/2010

ኣብ ዕለት 29 ነሓሰ 2010 ዓ.ም፣ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ዝጸንሐ መደብ፣ ኣኼባ መሰረታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ዓባይ- ብርጣንያ፣ ብውዕዉዕ መንፈስ ኣብ ግዚኡ ከም ዝተሳላሰለ ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ፣፣

.ኢሳያስ ኣስፍሃ 31 ነሓሰ 2010 ሎንዶን፣፣

አገዳሲ ህዝባዊ ሓቤረታ ..!! ዘተ ምስ ክቡር ሓው ጋዜጠኛ መሓሪ ኣብራሃም ኣባል ሰክረታርያ ሃገራዊ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ

01/09/2010

ዝኸበርክምን/ክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልዑል ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም/ክን።
ብምቅጻል ከምቲ ልሙድ ንዓርቢ 3 መስከረም (September), 2010 ክቡር ሓው ጋዜጠኛ መሓሪ አብራሃም፡ ጋሻ ናይ “Eritrean room for united and strong opposition“ ኮይኑ ከሚሲ፡ አብ (Paltalk)፡ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና። እዛ room እዚአ እትኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ማእከላይ አውሮፓ አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መደረ ጋሻና ዝጅምረሉ ግዜ ግን፡ ሳዓት 21፡00 እዩ።

.Eritrean Room For Strong Opposition

ካብ ስዑዲያ ዝተባረሩ ኤርትራውያን ኣብ ክልተ እብረ ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዮም፡

29/08/2010

ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ሂወቶም ንምድሓን፡ ርእሶም ክኽእሉን ቤተ-ሰቦም ክሕግዙን መታን ብባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ስዑዲያ ካብ ዝተሰደዱ መንእሰያት ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ስዑዲያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይነበሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጕንዎም ናብ ኤርትራ ከባርሮም ካብ ዝኣሰሮም ኤርትራውያን፡ ኣብ ክልተ እብረ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብሰላም ኣቲዮም። 5 መንእሰያት ኣብ ቀዳማይ እብረ ብዕለት 25 ነሓሰ 2010 ከኣትዉ እንከለዉ፡

.ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ህዝባዊ መጸዋዕታ ንተቀማጢ የቶቦርን ከባቢኣን

29/08/2010

ንዕለት 4 መስከረም 2010 አብ ከተማ የቶቦሪ አቶ አማኒኢል ሳህለን አቶ ካልድ ዓብዱን ብዛዕባት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ አብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ናብ ዝተፈላለዩ መዓከር ስደተኛታት ኤሪትራውያን ዑደት ብምግባር ዝተዓዘብዎን ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ከመይ ከምዝመስል ሓፈሻዊ ስእሊ ክህቡና ስለዝኾኑ ኩሉ ኤሪትራዊ ኣብቲ ተዳልዩ ዘሎ ቦታ

.ኤሪትራዊ ጥርናፈ ንፍትሕን ዲሞክራስን አብ ዮተቦርግ ንኡስ ክፍሊ ንዲሞኽራሲ: ሰላምን ንማዕርነትን

ሉጓም ዝበተኸ ፈረስ ሒዙዃ ንገደል ይጸድፍ

27/08/2010

ንዓኻን ወዲ ኸማኻ ሊኢኹ ንህግደፍ ጢዒምዎሎ
ንተቓለስቲ ከጸልም ካብ ህግደፍ ገንዘብ ዝተኸፈሎ
ኣስማት ተኻፈልቲ ዋዕላ ኣብ መርበብካ ትሰቕሎ
ካብ ዑሱባትን ዎይጦታትን ህግደፍ ዝፈርሕ መን ኣሎ
ዘይተኸንሸበ መልሓሱ ንምልካዊያን ዘጋፍር መሊኡሎ
ሕድሪ ሰማእታትና ተጠሊሙ ኣይተርፍን ለብዘበን ሓዲኡሎ።

.ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

መን ኢዩ ገላፊ መንከ’ዩ ተገላፊ መልሲ ንኣይተ ነጸረ ተወልደመድህሂን

27/08/2010

ኣይተ ነጸረ፡ ነቲ ግጥመይ ‘ነንሕድሕዱ ዝዋቓዕ፡ ናይ ቅደም ተኸተል መስመራት ቀሪቡ ኣሎ’ ኢልካ ኣብቲ ጽሑፍካ ኣስፊርካዮ ኣሎኻ። ኣነ’ውን ንኣባሃህላኻ ሰሚዐ ነቲ ግጥመይ መሊሰ ኣንቢበዮስ ከምቲ ዝበልካዮ ነንሕድሕዱ ዝዋቓዕ ኣይረኸብኩሉን። እንታይ ደኣ ኢዩ ኣይተ ነጸረ ዝብለኒ ዘሎ ኢለ እውን ነቲ ጽሑፍካ ኣጸቢቐ ዳህሲሰዮ። ህዉኽ ዝብእስ ጭራ ነብሪ ይነክስ፡ ዝብል ምስላ ከኣ ኣዘኻኺሩኒ።

.ገዛኢ ኪዳነ

ድሕሪ ሕጂ የሎን ሓድነትና ዝዘርግ ቀሪብና ኢና ሕጊ ክነጽድቕ ክንሕግግ

26/08/2010

ድሕሪ ሕጂ የሎን ሓድነትና ዝዘርግ
ቀሪብና ኢና ሕጊ ክነጽድቕ ክንሕግግ
ህግደፍ ኣልጊስና ደሞክራስያ ክነንግስ።

.ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ደምዳሚ መግለጺ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ መሪሕነት

26/08/2010

ኣብ ኤርትራዊ ዓውደ ፖለቲካ ኣገደስቲ ምዕባለታት ኣብ ዝተኽሰተሉን፡ ብሰንኪ ጨቋኒ ፖሊሲን ተግባርን ገዛኢ ስርዓት ኣብ ፖለቲካውን ጸጥታውን መነባብሮኣ’ውን ኩነታት፡ ስቅያት ህዝቢና ኣብ ዝዛይደሉን ዘሎ ወቅቲ፡ ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣብ 26-28 ሓምለን 17-18 ነሓሰን 2010 ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣሰላስሉ።

.ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤ.ዲ.ኪ) 20 ነሓሰ 2010

ኤሪትራዊ አብ ሽወደን ብሃይማኖትን ዓድን ተፈላልዩ . . . . መልሲ ንየማነ ገብረአብ ካልአይ ክፋል

26/08/2010

የማነ ገብረኣብ ንፌስቲቫል ሽወደን መጺእካ አብ ዝነበርካሉ እዋን ናይ ምትላልን ሓለፍነት ዝጎዶሎ ዘረባታትን ሰው አቢልካ ምንባርካ አብ ቀዳማይ ጽሑፈይ ነቶም አድለይቲ ዝበሃሉ ነጥብታት ምላሽ ድሕሪ ምሃብ ነታ ኤሪትራዊ አብ ሽውደን ብሃይማኖትን ዓድን ዓሌትን ተፈላልዩ ዝበልካያ ቃል ሸለል ከይበልኩ ከምቲ ኣብታ ዝሓለፈት ጽሑፈይ ቃል ዝአተኽዋ እንሆ ሎሚ ምላሽ ክህብ እየ::

.Girmay Tesfasion

መግለጺ ህጹጽ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡

24/08/2010

ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብዕለት 23 ነሓሰ 2010 ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ ውድባዊ መዳይን ኤርትራዊ ተቓውሞ ሓይልታትን ዝተኸሰቱ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘሕልፎ ዘሎ ስቅያትን፡ ቀጻሊ ዋሕዚ ስደትን ርእዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ዓቕምታቶም ዘፍቅደሎም፡ ወይ ቤተ ሰቦም ዝቕበልዎም፡ ሰደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ክነብሩ ንዘውጸኦ ዝተማሓየሸ ፖሊሲ ሞጕሱ።

.ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

ሓድነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ምትእምማን ሰፊኑ!!

20/08/2010

ይበል ዋዕላ ሓድነት ዘውሓሰ
ኣሉታ ኣልዩ ኣዎንታ ዘንገሰ
ኒሕ ኤርትራውያን ዘሐደሰ
ምኽሪ ምክእኣል ዝለገሰ።’

ሃግረዊ ዋዕላ ንኹሉ ብሓባር ኣካፊሉ
ብዘይካ’ቶም ባዕሎም ንነብሶም ዘግለሉ
መልሕሶም ሓሳዊ ተጋብሮም ኣሉ
ዋዕላ ተጋቢኡ ህዝብና ክሓልፈሉ
እቲ ውጹዕ ህዝብና ሰሚሩሉ ቃሉ።

. ብገዛኢ ኪዳነ

ድሕነት ድሕነት ጨንያ መሬት 6ይ ክፋል

19/08/2010

ምስ ጉጅለ ባህሊ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ክልል ትግራይ ብፍላይ ከኣ ህዝቢ ብጻዕቂ ዝርከበሉን፡ ኣብቲ ተኣምር እናሰርሐ ንስለያ ህግደፍ ራዕራዕ ኣቢሉዎ ዘሎ ውፉይ ሰራዊት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዓሪዱሉ ዘሎ ቦታትን በጺሕና ናይ ምልዕዓል መደባት ከም ዘካየድናን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላትን ማሕበራትን ናይቲ ከባቢ ከም ዝተፋለጥናን፡

. ብገዛኢ ኪዳነ ብገዛኢ ኪዳነ

የውሃና…! ንሓደነት ህዝብን ሃገርን ዘመስከረን ዘረጋገጸን ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ።

19/08/2010

ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘገልግል ታሪኽ ምስራሕ ከቢድ ኢዩ፡ ንዝተመዝገበ ታሪኽ ምቁንጻብን ጸሊም ቀለም ምቕባእን ግን እቲ ዝቐለለ ኢዩ። ልክዕ ሓደ ታሪኽ ብምኽንያት ውጽኢቱ ኣሉታዊ ወይ’ውን ኣወንታዊ ፍርዲ ክወሃቦ፡ ባህሪያዊ ኢልካ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ግድን እውን ኢዩ። ይኹን ዳኣ እምበር፡ ሓደ ታሪኽ፡ ኣሉታዊ ይኹን ኣወንታዊ ፍርዲ ክወሃቦ፡ እሞ እቲ ፍርዲ ተቐባልነት ክህልዎ፡ እቲ ፍርዲ ካበየናይ ኩርናዕ ይብገስ፡ ካብ ተጻባእነት ዶስ ካብ ሓቂ፡ ወሳኒ ተራ ይጻወት ኢዩ።

.erfsauo@yahoo.com

መበል 25 ዓመት ፈቲቫል ካስልን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2010 ዓ.ም!!

17/08/2010

መንቀሊኡ ካስል ዛዛሚት ወርሒ ሓምለ
ኣየ ዝነበረ ኣብ ካስል ተሓምበለ
ስምዕዎ እቲ ዜማኡ ይጓዝም እነሆለ
እንታይ’ዩ ፍልይ ፍልይ ጸላኢና ይፈለ።

. ብገዛኢ ኪዳነ

ካሓተኩም ከሓተክን ንምጽላምና ዝተላእኩ ተዃሉ፧ ተዛራቢ ትግርኛ ጥራይ ድዩ አብ ሃገራዊ ዋዕላ ተኻፊሉ ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

17/08/2010

መልሲ ንአብ ዋዕላ ምክፋልና ዘሕመመን
አጋፈርቲ ጃንዳ ህግደፍ ዕንቅርቢት ተመን
ክሳብ ማዓስ እየን ከ ክነብራ ኮምኡኢለን።

.በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ታዓዊትና ሕድሪ ሰማእታትና ኣተግቢርና ጸረ ሓድነትና ህግደፍ ምዃኑ ተሳማሚዕና ወጺና ሕድሪ ሰማእታትና ኩቡር እዩ

17/08/2010

ታዓዊትና ሓደ ሱጉምቲ ንቕድሚት ከድና
ካብ ሩሑቕን ቀረባን ተአኻኺብና
ናይ ሃገርና ሽግር ክንፈትሖ ተዛቲና
ብጉዳይ ሃገርና ኢሂን ሚሂን ተባሃሂልና

.በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

ደምዳሚ መግለጺ መስራቲ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

17/08/2010

ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ብምስታፍ ሓላፍነታዊ ዘተ ኣካይዱ። ከምኡ’ውን ወለዶ ደሞክራስያዊ ለውጢ ብምስታፍ ኣብ ኣገዳሲ ሃገራዊ ጉዳያት ድሕሪ ምዝታይ እምነ ኩርናዕ ሕድሕድ ምትእምምማን ኣቐሚጡ። ንቅዱስ ዕላማ ንምርግጋጽ ማለት ልዕልነት ሕግን ፍትሕን ደሞክራስን ፖሎቲካዊ ብዙሕነትን ዝነገሳ ሃገር ንምምስራት ተላዒሎም።

.ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ሃገራዊ ዋዕላ መድሕን ሃገርናን ዋሕስ ሓድነትናን ኢዩ።

13/08/2010

ህዝቢ ኤርትራ ስምረት ስኒት ድሓር ከኣ ሃገራዊ ዋዕላ ኢሉ ካብ ዝጭርሕ ዓመታት ሓሊፉዎ ኢዩ። እንተኾነ ነዞም ባህግታት ህዝብናን መግለጺ ሰላምን ዝኾኑ ቃላት ኣብ ግብሪ ንምትርጓሞም ብጸረ እዞም ናይ ሰላም ቃላት ዝኾኑ ኣድሓርሓርትን ጽምኣተ ስልጣን ዘንቀጾም መለኽትን ብዝተፈላለየ ምኽኒያትት እናተመስመሱ ዛጊት ክረጋገጹ ኣይከኣሉን። ስለዝኾነ ስምረት፡ ሓድነት፡ ስኒት ዝብሉ ቅዱሳት ቃላት ግብሪ ዘየሰንዮም ደርፊ ጥራሕ ኮይኖም ተሪፎም።

.ብገዛኢ ኪዳነ

ዘሐጉስ ሓበሬታ !!

13/08/2010

ኣብ መርበብ ኢንተርነት ኣብ www.gmeley.com መቐጸልታ እቲ ኣብ www.mereb.org ብቋንቋ ትግርኛ ዝፍኖ ዝነበረ ናይ ራዲዮ መደብ ጀሚሩ።

ወብሳይት www.gmeley.com ኣብ ርእሲ ናይ ራዲዮ መደብ ምሓዙ ናይ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ብግጥምን ስዲ ንባብን፡ ፊልምታትን ኣሳእልን ከስተኣናግድ ዝኽእል ሰፊሕ ዓቕሚ ዘሎዎ መርበብ ኢዩ።

.ኣማሓደርቲ መርበብ ኢንተርነት www.gmeley.com